መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር
‘ደጊም ጨካን ሰብ ኣይኰንኩን’
ዓመተ ልደት፦ 1973
መበቈል ሃገር፦ ኡጋንዳ
ታሪኽ፦ ዓመጸኛን ርኹስን ሰኽራምን
ሕሉፍ ህይወተይ
ኣብ ኡጋንዳ ኣብ እትርከብ ኣውራጃ ጎምባ እየ ተወሊደ። መብዛሕትኦም ደቂ እታ ዓዲ፡ ድኻታት እዮም ነይሮም። እታ እንነብረላ ኸተማ መብራህቲ ስለ ዘይነበራ፡ ለይቲ ፋኑስ ሒዝና ኢና እንንቀሳቐስ ኔርና።
ወለደይ ካብ ሩዋንዳ ናብ ኡጋንዳ ዝገዓዙ ሓረስቶት እዮም ነይሮም። ቡንን ባናናን እዮም ዚዘርኡ ነይሮም። ካብቲ ባናና ኸኣ ዋራጊ ዚብሃል ህቡብ መስተ ይጸምቁ ነይሮም። ብተወሳኺ፡ ወለደይ ደርሁን ኣጣልን ሓሰማታትን ከብትን የራብሑ ነይሮም። ባህለይን ኣተዓባብያይን፡ ሰበይቲ ዅሉ ግዜ ንሰብኣያ ኽትእዘዝ ከም ዘለዋን ርእይቶኣ ኸኣ ፈጺማ ኽትገልጽ ከም ዘይብላን ዚብል ኣተሓሳስባ ኣሕዲሩለይ።
ወዲ 23 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ናብ ሩዋንዳ ግዒዘ። ኣብኡ ድማ፡ ምስ መሳቶይ ፈቐዶ ለይታዊ ትልሂታት እናኸድና ንስዕስዕ ኔርና። ኣካያዲ ስራሕ ሓንቲ ኻብተን ኣዘውቲረ ዝኸደን ዝነበርኩ ለይታዊ ትልሂታት፡ ብናጻ ኽኣትወሉ ዝኽእል መእተዊ ወረቐት ሂቡኒ። ባእስን ዓመጻን ዝመልኦ ፊልምታት ምርኣይ ባህ የብለኒ ነይሩ። መውዓልየይን ዝጥቀመሉ ዝነበርኩ መዘናግዕን፡ ዓመጻን ርኽሰትን ስኽራንን ዝመልኦ ህይወት ከም ዘሕልፍ ገይሩኒ።
ካብ ዓመተ 2000 ኣትሒዝና፡ ምስ ሓንቲ ስኮላስቲክ ካባግዊራ እተባህለት መንእሰይ ብሓባር ክንነብር ጀሚርና፡ ሰለስተ ቘልዑ ድማ ወሊድና። ልክዕ ከምቲ ንእሽቶ ኸለኹ ዝርእዮ ዝነበርኩ፡ ሰላም ክትብለኒ ኸላን ገለ ነገር ክትሓትት ከላን ኣብ ቅድመይ ክትምብርከኽ እደልያ ነይረ። ከምኡ እውን ዝነበረና ንብረት ብምሉኡ ናይ በይነይ ገይረ እሓስብ ስለ ዝነበርኩ፡ ከም ድሌተይ ክጥቀመሉ እደሊ ነይረ። ኣዘውቲረ ለይቲ እወጽእ እሞ፡ ሰዓት ሰለስተ ወጋሕታ ኸኣ እምለስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ሰኺረ እየ ዝመጽእ ነይረ። ማዕጾ ዃሕኲሐ፡ ስኮላስቲክ ደንጕያ እንተ ኸፊታትኒ እሃርማ ነይረ።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ሓለዋ ትካል ከም ተቘጻጻራይ እሰርሕ ነይረ። ጽቡቕ ደሞዝ ከኣ እየ ዚኽፈል ነይረ። ስኮላስቲክ ካብቲ ዝነበረኒ ባህርያት ምእንቲ ክቕየር ኢላ፡ ናብቲ ንሳ እትኸዶ ዝነበረት ናይ ጰንጠቈስጠ ቤተ ክርስትያን፡ ምስኣ ክኸይድ ከተእምነኒ ብዙሕ ትጽዕር ነይራ። እንተዀነ ግና፡ ተገዳስነት ኣይነበረንን። ብኣንጻሩ ግና፡ ምስ ካልእ ሰበይቲ ፍቕራዊ ርክብ መስሪተ። ከም ውጽኢት እቲ ጭካነን ርኽሰትን ዝመልኦ ባህርያተይ፡ ስኮላስቲክ ንሰለስቲኦም ደቅና ሒዛ፡ ገዲፋትኒ ናብ ወለዳ ኸይዳ።
ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ፈታዊና፡ ነቲ ዝነበረኒ ኣካይዳ ኸዐሪ ተዛሪቡኒ። ናብ ስኮላስቲክ ኽምለስ ድማ ኣተባቢዑኒ። ‘እዞም ምጭዋት ደቅኻ ብዘይ ኣቦ ኺዓብዩ ግቡእ ኣይኰነን’ ከኣ ኢሉኒ። ስለዚ፡ ብ2005፡ መስተ ኣቋሪጸ፡ ነታ ሒዘያ ዝነበርኩ ሰበይቲ ሓዲገ ናብ ስኮላስቲክ ተመሊሰ። ብ2006፡ ሕጋዊ ቓል ኪዳን ኣሲርና። ኰይኑ ግና፡ ንበዓልቲ ቤተይ ምህራምን ምጽራፍን ኣየቋረጽክዎን።
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ
ብ2008፡ ሓደ ጆኤል ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክር ናብ ገዛና መጸ፡ ነቲ ዝነገረኒ መልእኽቲ ድማ ሰሚዐዮ። ንሓያሎ ኣዋርሕ፡ ንሱን ካልእ ቦናቨንቹር ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክርን ኣዘውቲሮም ይበጽሑኒ ነይሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ክንመያየጥ ከለና፡ እካትዖም እየ ነይረ። ብፍላይ ብዛዕባ መጽሓፍ ራእይ፡ ብዙሕ ሕቶታት እሓቶም ነይረ። ከም ሓቂ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግጉያት ምዃኖም ከረጋግጽ እየ ዝፍትን ነይረ። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ራእይ 7፡9 ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት ህዝቢ፡” “ኣብ ቅድሚ እቲ [ዝፋን ኣምላኽን] ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን [ማለት፡ ኣብ ቅድሚ የሱስ ክርስቶስን] ደው ኢሎም” እናበለ ኽነሱ፡ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዮም እትብሉ፡ ኢለ ሓቲተዮ። ጆኤል ንሕቶታተይ ብዓቕሊ ይምልሰለይ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኢሳይያስ 66:1፡ ኣምላኽ ንምድሪ “ድኳ እግረይ” ከም ዝበላ ኣርእዩኒ። ስለዚ፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ፡ ኣብ ምድሪ ዀይኖም እዮም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ ደው ዚብሉ። ብተወሳኺ፡ ጻድቃን ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ኣብ መዝሙር 37:29 ኣንቢበ።
መወዳእታኡ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ተሰማሚዐ። ስለዚ፡ ቦናቨንቹር ንዓይን ንስኮላስቲክን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩልና። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽናዕና፡ ኣብ ህይወተይ ኣድላዪ ዝዀነ ለውጢ ኽገብር ሓይሊ ረኺበ። ንበዓልቲ ቤተይ ብኣኽብሮት ክሕዛ ኸም ዘሎኒ እውን ተማሂረ። ሰላም ክትብለኒ ኸላ ዀነ፡ ገለ ነገር ክትሓትት ከላ ኣብ ቅድመይ ክትምብርከኽ ደጊም ኣይጽበያን እየ። ዘጥረናዮ ንብረት ናይ በይነይ ከም ዝዀነ ገይረ ምሕሳብ ኣቋሪጸዮ። ዓመጻ ዝመልኦ ፊልምታት ምርኣይ እውን ሓዲገዮ። ከምዚ ዓይነት ለውጥታት ምግባር ከቢድ እዩ። ርእሰ ግትኣትን ትሕትናን ዚሓትት እዩ ነይሩ።
ቅድሚ ቝሩብ ዓመታት፡ ነቲ ክርስትያን ዝስሙ ቦኽሪ ወደይ ናብ ኡጋንዳ ምስ ኣዝማደይ ኪነብር ሰዲደዮ ነይረ። ኰይኑ ግና፡ ዘዳግም 6:4-7 ምስ ኣንበብኩ፡ ኣነን በዓልቲ ቤተይን፡ ንደቅና ኽንከናኸኖም፡ እዚ ድማ ስርዓታት ኣምላኽ ክንምህሮም ሓላፍነት ከም ዘሎና ዜጠቓልል ምዃኑ ተገንዚበ። ወድና ናብ ገዛና ምስ መለስናዮ፡ ኵላትና ኣዚና ኢና ተሓጒስና።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ
የሆዋ መሓሪ ኣምላኽ ምዃኑ ፈሊጠ፣ ሕጂ ኸኣ ነቲ ቐደም ዝነበረኒ ሕማቕ ኣረኣእያን ጠባይን ይቕረ ኸም ዝበለለይ እኣምን እየ። ስኮላስቲክ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝሓበረትኒ፡ ብጣዕሚ ተሓጒሰ እየ። ክልቴና ርእስና ንየሆዋ ብምውፋይ፡ ብ4 ታሕሳስ 2010 ተጠሚቕና። ሕጂ ንሓድሕድና ንተኣማመን ኢና፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣብ ስድራ ቤትና ተሓጒስና ንትግብሮ ኣለና። ሎሚ፡ ናብ ካልእ ከየላገስኩ፡ ትኽ ኢለ ናብ ገዛ ስለ ዝመጽእ፡ በዓልቲ ቤተይ ሕጕስቲ እያ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ፡ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ስለ ዝሕዛን ኣልኮላዊ መስተ ስለ ዘቋረጽኩን ደጊም ጨካን ሰብ ስለ ዘይኰንኩን ሕጕስቲ እያ። ብ2015፡ ኣብ ጉባኤና ሽማግለ ዀይነ ኸገልግል ተሸይመ። ካብቶም ሓሙሽተ ደቅና፡ እቶም ሰለስተ ጥሙቓት እዮም።
ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ከለኹ፡ ነቲ ዚምህሩኒ ዝነበሩ ኸየረጋገጽኩ ኣይቅበሎን እየ ነይረ። ሕቶታተይ ንምምላስ መጽሓፍ ቅዱስ ይጥቀሙ ስለ ዝነበሩ፡ ብጣዕሚ እየ ተመሲጠ። ኣነን ስኮላስቲክን፡ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነገልግል ኢና ዚብሉ ሰባት፡ ምስ ኵሉ መለክዒታቱ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ደኣ እምበር፡ “ኪውዕየካ ብማንካ፡ ኪዝሕለካ ብኢድካ” ኪኸውን የብሉን ዚብል ርድኢት ሒዝና ኢና ዓቢና። ልዕሊ ዅሉ፡ የሆዋ ናብኡ ስለ ዝሰሓበንን ኣባል መንፈሳዊት ስድራ ቤቱ ክኸውን ስለ ዝፈቐደለይን ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። ንድሕሪት ምልስ ኢለ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወተይ ክሓስብ ከለኹ፡ ዝዀነ ይኹን ቅኑዕ ሰብ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዜድሊ ለውጢ ብምግባር ንኣምላኽ ኼሐጕሶ ኸም ዚኽእል ኣእሚኑኒ እዩ።