ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስራሕ ኪውሃቦም ደኣ እምበር፡ ኪኽፈሉ ኣይሓትቱን

ስራሕ ኪውሃቦም ደኣ እምበር፡ ኪኽፈሉ ኣይሓትቱን

ኣብ ዝሓለፋ 28 ዓመት፡ ልዕሊ 11,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 120 ሃገራት ህንጻታት ንምህናጽ ኣባይቶምን ዚነብሩላ ሃገርን ሓዲጎም እዮም። ኵሎም ከኣ ብዘይ ክፍሊት ምሉእ ግዜ ኼገልግሉ፡ ክእለቶምን ጕልበቶምን ተሓጒሶም ወፍዮም እዮም።

ብዙሓት ናብቲ ፕሮጀክት ንምብጻሕ ንወጻኢታቶም ባዕላቶም እዮም ሸፊኖምዎ። ገሊኦም ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ሰዊኦም እዮም ኣብዚ ስራሕ ተሳቲፎም። ካልኦት ድማ ጽቡቕ ክፍሊት ሓዲጎም ካብቲ ቐዋሚ ስራሖም ዕረፍቲ ወሲዶም እዮም።

ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት ኪገብሩ ዘገደዶም የለን፣ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ብፍቓዶም እዮም ገዛእ ርእሶም ወፍዮም። (ማቴዎስ 24:14) ንሕትመት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ዚኸውን መሳለጥያታትን ኣብያተ ጽሕፈትን መንበሪታትን ሃኒጾም እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ክሳዕ 10,000 ዚኸውን መናብር ዘለዎ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ክሳዕ 300 ዚኸውን መናብር ዘለዎ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን እውን ሃኒጾም እዮም።

እዚ ንጥፈታት እዚ ገና ይካየድ ኣሎ። እቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ ዚዓይዩሉ ቦታ ምስ በጽሑ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ገዛን ምግብን ኣገልግሎት ሕጽቦን ካልእ መዓልታዊ ዜድልዮም ነገራትን የዳልወሎም። ኣብቲ ኸባቢ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣብቲ ዕዮ ህንጸት ተሓጒሶም ይሳተፉ እዮም።

ብ1985 ነዚ ሰፊሕ ዕዮ እዚ ዚውድብን ዜተሓባብርን ዓለምለኻዊ መደብ ቈመ። ኣብዚ መደብ እዚ ኺሳተፉ ዚደልዩ ወለንተኛታት፡ ካብ 19 ኽሳዕ 55 ዓመት ዝዕድሚኦምን እንተ ወሓደ ብሓደ ናይ ህንጸት ሞያ ዝሰልጠኑን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዀኑ ኣለዎም። መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣብዚ መደብ እዚ ዚውሃብ ዕዮ ኻብ ክልተ ሰሙን ክሳዕ ሰለስተ ወርሒ ዚወስድ እዩ፣ ሓድሓደ እዋን ግና፡ ንሓደ ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኺናዋሕ ይኽእል እዩ።

ኣንስቲ እዞም ኣብ ዕዮ ህንጸት ዚዓይዩ፡ ኣብ ከም ተንዲኖ ብስልኪ ምእሳርን ማቶኔላታት ምንጻፍን ዕንጨይቲ ምልማጽን ቀለም ምልካይን ዝኣመሰለ ዕዮ ንኺዓይያ ይስልጥና እየን። ካልኦት ድማ ንሰራሕተኛታት ምግቢ ኣብ ምድላውን መንበሪኦም ኣብ ምጽርራይን ይሕግዛ እየን።

ገሊኦም ወለንተኛታት ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ፡ ኣብቲ መደብ ኪዓይዩ ንእተገብረሎም ዕድመ ምስጋናኦም ንምግላጽ ደብዳበ ይጽሕፉ እዮም። ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ “ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዚርከብ ጨንፈር ክንዓዪ መሰል ብምርካብና ኣዚና ኸነመስግነኩም ንፈቱ። ኣብ ሃንጋሪ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈቃራትን መማሰውትን እዮም! ምሳታቶም ንወርሒ ዚኣክል ድሕሪ ምጽናሕና ኽንፋነዎም ከቢዱና ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኵሉ ሳዕ ከምኡ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ጽድያ እንደገና ኽንከይድ ተስፋ ንገብር። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቲ ተመዲብና ዝኸድናሉ ዕዮ፡ ኣብ ህይወትና እታ ዝበለጸት ወርሒ ዘሕለፍና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና” ብምባል ጸሓፉ።