ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ጫካ ኣማዞን ሓድሽ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ተሃኒጹ

ኣብ ጫካ ኣማዞን ሓድሽ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ተሃኒጹ

ኣብ ማእከል ጫካ ኣማዞን ማራኺ ዝዀነ ሓድሽ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይርከብ እዩ። እዚ ብሸነኽ ሰሜን ከተማ ማኑስ፡ ብራዚል ዚርከብ 52 ሄክታር ስፍሓት ዘለዎ ቦታ ብተፈጥሮኣዊ ጫካ ዝመልአ እዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ብሕብሪ ዘጌጻ ማካውን ቶካንን ካልኦት ኣዕዋፍን፡ ኣብ ልዕሊ ኩፓኩ፡ ማጀስቲክ ብራዚል ናት ከምኡ ድማ ኣንጀሊም ፐድራ ዚብሃል ዓይነታት ኣግራብ ኰይነን ጩቕጩቕ ኪብላ ይስምዓ እየን። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ምህናጽ ዘድለየ ግና ስለምንታይ እዩ፧

ከተማ ማኑስ ካብ ኣፍ ሩባ ኣማዞን፡ 1,450 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኰይና፡ ክልተ ሚልዮን ዚኸውን ብዝሒ ህዝቢ ኣለዋ። እዚ ሓድሽ ኣዳራሽ እዚ፡ ነቶም ኣብ ማኑስን ኣብ ከባቢኣ ኣብ ዚርከባ ኸተማታትን ኣብ ከባቢ ኣማዞን ኣብ ዘለዋ ኣቝሻትን ዚቕመጡ 7,000 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬገልግል እዩ። ካብዚ እታ ዝረሓቐት ከተማ፡ ሳኦ ጋብርኤል ዲ ካቸይራ ዀይና፡ ካብ ማኑስ ብሸነኽ ምዕራብ 800 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ። ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብዚ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ኣብ ዚግበር ዓበይቲ ኣኼባታት ምእንቲ ኺካፈሉ ብጃልባ ንሰለስተ መዓልቲ ይጐዓዙ እዮም።

ኣብ ማእከል ኣማዞን፡ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ምህናጽ ከቢድ ዕዮ ዚሓትት እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ንህንጻ ዜድሊ ኣቝሑት ዝሓዘ 13 ኮንተይነራት፡ ካብታ ኣብ ሳኦ ፓውሎ እትርከብ ወደብ ሳንቶስ ብገማግም ብራዚልን ብፈለግ ኣማዞንን ጌርካ ናብ ቦታ ህንጸት ምግዓዝ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ።

እዚ ሓድሽ ኣዳራሽ ኣብ ብራዚል ካብ እተሃንጹ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ መበል 27 እዩ፣ ኣብቲ ብሰንበት 4 ግንቦት 2014 እተገብረ ስነ ስርዓት ወፈያ ኸኣ 1,956 ተኣከብቲ ነይሮም። ብዙሓት ካባታቶም ንመጀመርታ ግዜኦም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ስለ እተኣከቡ ኣዝዮም እዮም ተሓጕሶም።

ተኣከብቲ ንተዛራባይ ኪሰምዕዎ ጥራይ ዘይኰነስ ኪርእይዎ እውን ክኢሎም እዮም። እዚ ድማ ዜሐጕስ ለውጢ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ቀደም ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኴንካ ይግበር ብምንባሩ፡ መብዛሕትኦም ይትረፍ ነቲ ተዛራባይ ነቲ መድረኽ እኳ ኺርእይዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር፡ “ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ተኻፊለ እየ፣ ነቲ ኣብኡ ዚቐርብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድራማ ኽሰምዖ ጥራይ ደኣ እምበር ፈጺመ ኽርእዮ ኣይክእልን እየ ነይረ” ይብል። ሕጂ ግና ኵሉ ሰብ ነቲ መደረኽ ኪርእዮ ይኽእል እዩ።