ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብብዙሕ ቋንቋታት ዚዝመር መዝሙር

ብብዙሕ ቋንቋታት ዚዝመር መዝሙር

ሓንቲ መዝሙር፡ ካብ ሓደ ቛንቋ ናብ ካልእ ምትርጓም ከቢድ እዩ። 135 መዝሙር ዝሓዘ ምሉእ መጽሓፍ ምትርጓም ድማ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ እሞ ሕሰቦ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ነዚ ሰጊሮምዎ እዮም፣ ከመይሲ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ንብምልእታ እታ ንየሆዋ ዘምሩሉ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ መዝሙር ናብ 116 ቋንቋታት ተርጒሞምዋ እዮም። ብተወሳኺ ድማ ካብተን 135፡ ነተን 55 መዝሙር ዝሓዘት መጽሓፍ ብ55 ቋንቋታት ተተርጒማ ኣላ። እቲ መዝሙራት፡ ናብ ካልእ ብዙሕ ቋንቋታት እውን ይትርጐም ኣሎ።

ምትርጓምን ግጥሚ ምግጣምን

ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ናብ 600 ቛንቋታት ይትርጉሙ እዮም፣ ኣስታት 430 ዚኸውን ድማ ኣብ ኢንተርነት ይርከብ እዩ። መጽሓፍ መዝሙር ምትርጓም ግና ካብዚ እተፈልየ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ዋላ እኳ ግጥምታት እታ ንየሆዋ ዘምሩሉ ዘርእስታ መጽሓፍ መዝሙር ናብ እተፈላለየ ብዙሕ ቋንቋታት ይተርጐም፡ እቲ ዜማ ግና ኣይቅየርን እዩ።

ግጥሚ ምትርጓም፡ መጽሔት ካብ ምትርጓም እተፈልየ እዩ። ንኣብነት፡ ግምቢ ዘብዐኛ ናብ ካልእ ቋንቋ ኺትርጐም ከሎ፡ እቶም ተርጐምቲ ብእተኻእለ መጠን ብምሉኡ እቲ ኣብቲ ምንጪ ቛንቋ ዘሎ ሓሳባት ኬመሓላልፉ እዮም ዚፍትኑ። ሙዚቃ ግና ካብዚ እተፈልየ እዩ።

መዝሙራት ብኸመይ እዩ ዚትርጐም፧

መዝሙራት ዚትርጉሙ ተርጐምቲ፡ እቲ ግጥምታት ትርጉም ዘለዎን ጥዑምን ዘይርሳዕን ምእንቲ ኪኸውን፡ እተፈልየ ኣገባብ ትርጉም እዮም ዚጥቀሙ።

እቲ ቓላት፡ ነቲ ኺመሓላለፍ እተደልየ መልእኽቲ ብንጹር ዜመሓላልፍን ሰባት ብቐሊሉ ኪድርእዎ ዚኽእልን ኪኸውን ኣለዎ። እቲ እተተርጐመ ግጥሚ ዚቃዶን ባህርያውን ኪኸውን ኣለዎ፣ እቲ ዚዝምር ሰብ ከኣ እቲ መዝሙር ልክዕ ብቛንቋኡ ኸም እተጻሕፈ ዀይኑ ኪስምዖ ኣለዎ።

እሞ ደኣ እዚ ብኸመይ እዩ ኺግበር ዚከኣል፧ ጕጅለታት ትርጉም፡ ነቲ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ግጥምታት ንየሆዋ ዘምሩሉ ቓል ብቓሉ ኺትርጉሙ ዘይኰነስ ኻብቲ ቐንዲ ሓሳብ ከይወጹ ሓድሽ ግጥሚ ኺጽሕፉ እዮም ተተባቢዖም። እቶም ተርጐምቲ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግጥሚ ዚርከብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ፡ ኣብ ቋንቋኦም ልሙድ ዝዀነን ርዱእን ዘይርሳዕን ቃላት ተጠቒሞም እዮም ዚገልጽዎ።

ስለዚ፡ ፈለማ ነቲ ናይ እንግሊዝኛ መዝሙር ቃል ብቓሉ ይትርጉምዎ። ቀጺሉ ኸኣ፡ ግጥሚ ናይ ምግጣም ክእለት ዘለዎ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ነቲ እተተርጐመ ቓላት ባህርያውን ርዱእን ብዝዀነ መገዲ የተዓራርዮ። ኣብ መወዳእታ፡ ልክዕነት እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ንምርግጋጽ፡ ጕጅለ ትርጉምን ኣረምቲ ኣንበብትን ነቲ ግጥሚ የንብብዎ።

ኣብ ምሉእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓድሽ መጽሓፍ መዝሙር ምስ ረኸቡ ኣዝዮም እዮም ተሓጒሶም፡ ናብ ብዙሕ ተወሳኺ ቛንቋታት ኪትርጐም ከኣ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።