ንኣምላኽ ዚውድስ ሓደ ዘመን ዘቝጸረ ሙዚቃ
“ናብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዚርከብ ኮሎምብያ ስቱድዮስ ኬድካ፡ ሓደ ኻብ መዝሙራትና ኽትዝምር ደልየ ኣለኹ። ጽቡቕ ገይሮም ኪቐድሕዎ እዮም። እንታይ ትገብር ከም ዘለኻ፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር።”
ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1913፡ ዊልያም ሞክሪጅ ነዚ ቻርለስ ቴዝ ራስል ዝሃቦ ዘይተለምደ ዕዮ ፈጸመ። a እታ ብገሊኦም፡ “ሰናይ መጻኢ” ተባሂላ እትፍለጥ መዝሙር ከኣ፡ ኣብ ዲስኮ ተቐርጸት። ጸኒሑ፡ ዊልያም እታ መዝሙር ኣብታ ምስ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረታትን ሙዚቃን እተዋሃሃደ ፊልምታትን ስእልታትን ዘለዋ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን፡” መእተዊ ዀይና ኸም እተገልግል ፈለጠ። ቀዳማይ ምርኢት እታ “ፎቶ-ድራማ” ድማ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ጥሪ 1914 እዩ ነይሩ።
እቲ ዊልያም ዘቕረጾ መዝሙር፡ ሓደ ኻብቲ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ኣብ ዚርአ ምርኢት “ፎቶ-ድራማ” ዚውላዕ ዝነበረ ልዕሊ 50 ቕዳሕ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ኻብቲ ሙዚቃ ብኻልኦት እተዳለወ እኳ እንተ ነበረ፡ ነታ ዊልያም ዝዘመራ ሓዊስካ ሒደት ቅዳሓት ግና ብሓልዮት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወ፡ ካብታ ሃይምንስ ኦቭ ዘ ሚልየንያል ዶውን ዘርእስታ መጽሓፍ መዝሙር ድማ እተዘመረ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ቓላት እተገብረ ኣትኵሮ
ንሓያሎ ዓመታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኻልኦት እተጻሕፈ መዝሙራት ንኣምልኾ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ግና፡ ምስቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ግንዛበኦም ከም ዚሳነ ገይሮም ነቲ ቓላት ይቕይርዎ ነይሮም።
ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣብ “ፎቶ-ድራማ” እትስማዕ መዝሙር፡ “ንጉስና ይግስግስ ኣሎ” ዘርእስታ ዀይና፡ “መዝሙር ኲናት ሪፓብሊክ” ካብ ዘርእስታ መዝሙር ብእተወሰነ ተቐዪራ እተዳለወት እያ። ቀዳመይቲ መስመር እታ “መዝሙር ኲናት” ዘርእስታ መዝሙር፡ “ኣዒንተይ ንኽብሪ ምጽኣት ጐይታና ርእየናኦ” ትብል ነይራ። ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “ኣዒንተይ ንኽብሪ እቲ ጐይታና ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ርእየናኦ” ኢሎም ቀዪሮምዎ እዮም። እዚ ለውጢ እዚ፡ ነቲ ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ንምጽኣቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብዚ ዚህልወሉ ንውሕ ዝበለ እዋን ከም ዜጠቓልል ዝነበሮም እምነት ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 24:3።
ብ1966 ሲንጊንግ ኤንድ ኣካምፓንዪንግ ዮርሰልቭስ ዊዝ ምዩዚክ ኢን ዮር ሃርትስ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ዝወጸተሉ እዋን፡ ዓለማዊ ዝምንጩ ወይ ካብ ናይ ካልኦት ሃይማኖት እተወስደ መዝሙር ንምሕዳግ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ። በታ ዓመት እቲኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንእሽቶ ኦርኬስትራ ኣዳለዉ፡ ነተን ኣብታ መጽሓፍ ዚርከባ 119 መዝሙራት ከኣ ቀድሕወን። ጉባኤታት በቲ ቕዳሓት እቲ ተጠቒመን ኣብ ኣኼባታት ይዝምራ ነበራ፣ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ኣብ ገዛኦም ይሰምዕዎ ነበሩ።
ብ2009፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሆዋ ዘምሩሉ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ መዝሙር ኣሕቲሞም እዮም። ብድምጺ እተሰነየ መዝሙራት ከኣ ብብርክት ዝበለ ቛንቋታት ተቐዲሑ ኣሎ። ብ2013 ድማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቘልዑ ዚኸውን ናይ ፈለማ ቪድዮታት ሙዚቃ ኼሕትሙ ጀሚሮም። ሓንቲ ኻባታተን ኵሉ ሳዕ ጸሊ ዚብል ኣርእስቲ ኣለዋ። ካብ jw.org ድማ ኣብ ወወርሒ ሚልዮናት ሳዕ መዝሙራት ይራገፍ ኣሎ።
ብዙሓት ነዚ ሙዚቃ እዚ የመስግኑሉ እዮም። ጁሊ ዝስማ ሰበይቲ ብዛዕባ ንየሆዋ ዘምሩሉ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እተን ሓደስቲ መዝሙራት ጥዑማት እየን! በይነይ ክኸውን ከለኹ፡ ንውሽጣዊ ስምዒተይ ዚገልጻለይ ዘበላ እውልዕ እየ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ብዝያዳ ደልዲሉ፡ ኵለንተናይ ክህቦ እውን ብዝያዳ ቘራጽነት ገይረ ኣለኹ” ኢላ ጸሓፈት።
ሄዘር ዝስማ ኣደ ኸኣ፡ እታ ኵሉ ሳዕ ጸሊ ዘርእስታ ቪድዮ ኣብቶም ሸውዓተን ትሽዓተን ዝዕድሚኦም ደቃ ዘሕደረቶ ጽልዋ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንግሆ ንግሆ ወይ ምሳና ኪዀኑ ኸለዉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ የሆዋ ኺዛረቡ ኣብ ዚደልዩሉ እዋን ኵሉ ሳዕ ኪጽልዩ ሓጊዛቶም እያ” ኢላ ጸሓፈት።
a ቻርለስ ቴዝ ራስል (1852–1916) ኣብቶም ሽዑ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሃሉ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሪሕ ግደ ነበሮ።