ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብስእልታት እትምህር ዓለምለኻዊት ብሮሹር

ብስእልታት እትምህር ዓለምለኻዊት ብሮሹር

ኦድቫል ኣብ ሞንጎልያ እያ እትነብር። ዕድሚኣ ኽንደይ ከም ዝዀነ ርግጸኛ እኳ እንተ ዘይኰነት፡ ብ1921 ከም እተወልደት እያ እትግምት። ኣብ ዕድመ ንእስነታ ጥሪት ወለዳ ትጓሲ ስለ ዝነበረት፡ ትምህርቲ ንሓደ ዓመት ጥራይ እያ ተማሂራ። ከተንብብ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀነት፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብሓገዝ ሓንቲ ሕብራዊት ብሮሹር፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንዚሰምዕዎ ኣዳልዩሎም ዘሎ ዜሐጕስ መጻእን ክትፈልጥ ክኢላ እያ። እዚ ፍልጠት እዚ ድማ ንልባ ተንኪፍዎ እዩ።

እዛ ብ2011 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወት ብሮሹር፡ ብኽልተ መልክዕ እያ ተዳልያ። ክልቲአን እዘን ሕታማት ጽቡቕ ስእልታት ዘለወን ኰይነን፡ እታ ሓንቲ ዝወሓደ ጽሑፍ ኣለዋ።

እታ ዝያዳ ጽሑፍ ዘለዋ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብልዕሊ 583 ቋንቋ፡ እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ድማ ብ483 ቋንቋ ኽትዳሎ እያ። ነዚ ምስቲ ኽሳዕ ጥቅምቲ 2013 ብ413 ቋንቋ እተተርጐመ ዓለምለኻዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እሞ ኣነጻጽሮ። ብዘይካዚ፡ እዘን ክልተ ብሮሹራት ክሳዕ ሕጂ ብኣስታት 80 ሚልዮን ቅዳሕ ተዘርጊሐን ኣለዋ።

ኣብ ብራዚል፡ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ነታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ተሓጒሳ ምስ ወሰደታ፡ “ንዓይን ንኸምዚ ኸማይን ዚግደሱልና ሰባት ከም ዘለዉ ምፍላጥ ባህ ዜብል እዩ። ከንብብ ስለ ዘይክእል መጽሔታትኩም ተቐቢለ ኣይፈልጥን እየ። ሕጂ ግና ነዛ ብሮሹር እዚኣ እደልያ እየ” በለት።

ብሪጀት ዝስማ ኣብ ፈረንሳ እትነብር መሃይምነት ዘየጥፍአት ሰበይቲ፡ “ኣብታ ብሮሹር ንዚርከብ ስእልታት መዓልታዊ እየ ዝርእዮ” በለት።

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኸምዚ ብምባል ጸሓፈ፦ “ኣብ ክሊ ቻይንኛ ንዚርከቡ ሰባት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር፡ ካብዛ ብሮሹር እዚኣ ዚበልጽ ኣይረኸብኩን። ኣብ ኵሉ ደረጃታት ትምህርቲ ምስ ዚርከቡ ሰባት፡ ማለት ዩኒቨርሲቲ ምስ ዝወድኡን ምስ በላሕቲ ሰባትን ጠሪሶም ምንባብ ምስ ዘይክእሉን ተዘራሪበ እየ። እታንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ ዘርእስታ ብሮሹር፡ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቕልጡፍ ከመሓላልፍ ኣኽኢላትኒ እያ። ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት መሰረት ከተንብር ትኽእል ኢኻ።”

ኣብ ጀርመን ዚነብራ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምሁራት ምስ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዓ እየን። እቲ ሰብኣይ በታ ብሮሹር ኣዝዩ ስለ እተመሰጠ፡ “ነዛ ብሮሹር ንምንታይ ኣቐዲምክን ዘይሃብክናኒ፧ ንፍጻመታትን መግለጺታትን መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ኽርዳእ ትሕግዘኒ እያ” በለ።

ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ሓንቲ ጽምምቲ ሰበይቲ ኸኣ ከምዚ በለት፦ “ንብዙሕ ዓመታት ምስ ደናግል ኣብ ገዳም ተቐሚጠ እየ። ከም ማንም ካልእ ሰብ ከኣ ምስ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን እራኸብ ነይረ እየ። ዋላ ሓደ ኻባታቶም ግና መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝዀነት ዝመሃረኒ የለን። ኣብዛ ብሮሹር ዚርከብ ስእልታት፡ ማቴዎስ 6:10 እንታይ ትርጉም ከም ዘለዋ ኽርዳእ ሓጊዙኒ እዩ”።

ኣብ ካናዳ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ብምባል ጸሓፈ፦ “ብዙሓት ካብቶም ኣብዚ ዚርከቡ ማሕበረ ሰብ ሴራልዮን ነታ ንኣምላኽ ስምዓዮ ዘርእስታ ብሮሹር ብክርዮኛ ምስ ረኣይዋ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ንምንጋር ኣበርቲዖም ይዓይዩ ኸም ዘለዉ ርእይቶኦም ኪገልጹ ደሪኽዎም እዩ። ገሊኦም ድማ፡ ‘ብዙሓት ዘይግደሱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንስኻትኩም ግና ትግደሱ ኢኹም’ ኢሎም እዮም።”