ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽሑፍ ዜጸብቕ ስእልታት ዚሰኣለሉ መገዲ

ንጽሑፍ ዜጸብቕ ስእልታት ዚሰኣለሉ መገዲ

ሰኣልትና ንሕታማትና ዜጸብቕን ነቲ ጽሑፍ ማራኺ ዚገብርን ስእልታት ዚስእሉ ብኸመይ እዮም፧ እንታይ መስርሕ ከም ዚሓልፍ ንምብራህ፡ ገበር መጽሔት ንቕሑ! መስከረም 2015 ብኸመይ ከም እተነድፈን እተሳእለን ርአ። a

  • ንድፊ። ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ክፍሊ ስእሊ ዚዓይዩ ነደፍቲ፡ ነታ “ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ድሕሪ ምንባቦም፡ ነቲ ጽሑፍ ዜብርህ እተፈላለየ ንድፊ ኣውጽኡ። ድሕርዚ፡ ነዚ ንድፍታት እዚ ናብ ኮሚተ ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣካል ኣቕረብዎ፣ እቲ ኮሚተ ኸኣ ኪስኣል ዝደለዮ ንድፊ መረጸ።

    ገለ ኻብቲ ናብ ኮሚተ ጽሕፈት ዝቐረበ ንድፍታት ገበር

  • ቦታ። ጕጅለ ስእሊ ኣብ ናይ ሓቂ ባንክ ኰይኖም ስእልታት ኣብ ክንዲ ዚስእሉ፡ ንሓደ ኻብቲ ኣብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ መጸበዪ ኣጋይሽ፡ መልክዕ ባንክ ከም ዚህልዎ ገይሮም ኣዳለውዎ። b

  • ተዋሳእቲ። ንዓማዊል ሓንቲ ኣብ ዓባይ ከተማ እትርከብ ባንክ ንምንጽብራቕ፡ ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ተዋሳእቲ ተመርጹ። ሕደ ዝዀኑ ተዋሳእቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ሕታማትና ምእንቲ ኸይወጹ ድማ መዝገብ ተታሒዙ እዩ።

  • ናውቲ። እታ ባንክ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ወጻኢ እትርከብ ምእንቲ ኽትመስል፡ ክፍሊ ስእሊ ናይ ወጻኢ ባጤራ እዩ ተጠቒሙ። ጕጅለ ስእሊ፡ ብእተኻእለ መጠን ልክዕን ናይ ሓቅን ስእሊ ንምድላው ዚሕግዝ ናውቲ ተጠቒሞም እዮም። ክሬግ ዚብሃል ሰኣሊ፡ “ብኣጋጣሚ ዚኸውን ነገር የለን” በለ።

  • ክዳውንትን መጸባበቕን። እቶም ተዋሳእቲ፡ ኣብ ባንክ ንዚሰኣል ስእሊ ዚኸውን ክዳውንቲ ባዕሎም እዮም ኣምጺኦም። ናይ ቀደም ክዳውንቲ ወይ ፍሉይ ዩኒፎርም ምጥቃም ኣብ ዜድልየሉ ግዜ ግና፡ ክፍሊ ስእሊ ምርምር ብምግባር ዚሰማማዕ ኣልባሳት የዳሉ እዩ። እቶም ተዋሳእቲ ምስቲ ኣብ ስእሊ ዚግለጽ ግዜ፡ ትሕዝቶ፡ ወይ ድማ ኣቀራርባ ምእንቲ ኺሰማምዑ፡ ክኢላታት መጸባበቕቲ ነዞም ተዋሳእቲ የጸባብቕዎም እዮም። ክሬግ፡ “ምስዚ ሎሚ ዘሎ ልዑል ንጻረ ስእልታት፡ ንእሽቶ ጌጋ እውን ይኹን ነቲ ስእሊ ኼበላሽዎ ስለ ዚኽእል፡ ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና” በለ።

  • እዋን ስእሊ። እቶም ሰኣልቲ፡ ኣብታ ንባንክ እትውክል ስእሊ ዚርአ ብርሃን ናይ ቀትሪ መሲሉ ኸም ዚርአ ኣረጋገጹ። ሰኣልቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ስእሊ እዋን፡ ኣብቲ ስእሊ ዚሰኣለሉ ኽፍሊ ዘሎ ብርሃን ምስ ሃዋህውን ብርሃንን (ብርሃን ጸሓይ፡ ብርሃን ወርሒ ወይ ሰብ ሰርሖ ብርሃን) እቲ ዅነታት ዚሰማማዕን ልክዕን ምዃኑ ኼረጋግጹ ኣለዎም። ክሬግ፡ “እዚ ቪድዮ ስለ ዘይኰነ፡ ንሃዋህው ሓደ ዅነታት ንምግላጽ ሓንቲ ስእሊ ጥራይ ኢና እንጥቀም። ስለዚ፡ ብርሃን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” በለ።

  • ምቅንባር። ኣብ መወዳእታ፡ ኣንበብቲ ኣብቲ ዓይነት ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ናብቶም ኣብቲ ስእሊ ዘለዉ ሰባት ምእንቲ ኼተኵሩ፡ ኣቀናበርቲ ስእሊ ነቲ ባጤራ ኣህሰስዎ። እቲ ማዕጾን መሳዅትን ቀይሕ ሕብሪ እኳ እንተ ነበሮ፡ ምስ ሓፈሻዊ ሕብሪ እታ ሕታም ምእንቲ ኺሰማማዕ ኣቀናበርቲ ስእሊ ናብ ቀጠልያ ቐየርዎ።

ብዘይካ እቲ ኣብ ፓተርሰን ዚዳሎ ስእልታት፡ ኣብ ከም ኣውስትራልያ፡ ብራዚል፡ ካናዳ፡ ጀርመን፡ ጃፓን፡ ኮርያ፡ ማላዊ፡ መክሲኮ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰላ ሃገራት ዚርከባ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ዘለዉ ጕጅለታት ስእሊ እውን ንሕታማትና ዚኸውን ስእልታት ኬቕርቡ ይሕተቱ እዮም። ኣብ ፓተርሰን ዚርከብ ክፍሊ ስእሊ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 2,500 ሓደስቲ ስእልታት ኣብ ኮምፕዩተር ይስንድ እዩ። ብዙሕ ካብዚ ስእልታት ኣብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡ ድማ ንቕሑ! ይሕተም እዩ፣ ኣብ 2015፡ እዘን መጽሔታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብድምር ልዕሊ 115 ሚልዮን ቅዳሓት ዝርጋሐ ነይርወን። ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ወይ ኣብ ዝዀነ ኻልእ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ዘሎ መሳለጥያታትና ኽትበጽሕ ንዕድመካ።

ነታ መጽሔት ኣብ ኣገልግሎት ምብርካት

a ካብቲ ንገበር ኪኸውን ዚምረጽ ስእሊ ዚበዝሕ ስእልታት እዩ ዚዳሎ። ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ካብቲ ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለ ስእልታት ኣብ መኽዘን ስእልታት ይዕቀብ እሞ ጸኒሑ ኣብ ካልእ ፕሮጀክትታት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል እዩ።

b ኣብ ጐደና ኸተማ ስእሊ ኺሰኣል እንተ ኣድልዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኽፍሊ ስእሊ፡ ቍጽሪ ተሳተፍትን ብዝሒ ናውትን ንስእሊ ዜድሊ ዓይነት ብርሃንን ንሰበ ስልጣን ምምሕዳር ከተማ ብምሕባር ፍቓድ ኪረክብ ኣለዎ።