ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣንበብትና ንሓደ ፍጻመ ብኣእምሮኦም ኪስእልዎ ዚሕግዝ ስእልታት

ኣንበብትና ንሓደ ፍጻመ ብኣእምሮኦም ኪስእልዎ ዚሕግዝ ስእልታት

መብዛሕትኡ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንትሕዝቶኡ ዚገልጽ ሕብራዊ ስእልታት ዝሓዘ እዩ። ቀደም ግና ከምኡ ኣይነበረን። እታ ብ1879 እተሓትመት ቀዳመይቲ ሕታም መጽሔት ዛዮንስ ዎች ታወር ስእልታት ኣይነበራን። ንዓሰርተታት ዓመታት ዚኣክል፡ ጽሑፋትና ሓሓሊፉ ብኢድ እተሳእለ ወይ ጻዕዳን ጸሊምን ዝዀነ ስእሊ እኳ እንተ ነበሮ፡ ዚበዝሕ ግና ብጽሑፍ ዝመልአ እዩ ነይሩ።

ሎሚ ግና መብዛሕትኡ ጽሑፋትና ብዙሕ ስእልታት ኣለዎ። መብዛሕትኡ ኣብ ሕታማትን ወብ ሳይትን እትርእዮ ብኢድ እተሳእለ ስእልታትን ብካሜራ እተሳእለ ደረቕ ስእልታትን፡ ናትና ሰኣልቲ ዘዳለውዎ እዩ። ብጥንቃቐን ብደቂቕን ዚግበር ምርምር፡ ታሪኻውን መጽሓፍ ቅዱሳውን ሓቅታት ዚምህር ስእልታት ኣብ ምድላው ሓጋዚ እዩ።

ነዛ ኣቐዲማ ኣብታ ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተማልአ መገዲ መስክር’ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 19 ዝወጸት፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እውን ዘላ ስእሊ እሞ ኸም ኣብነት ውሰድ። እዛ ስእሊ እዚኣ፡ ጥንታዊት ቈረንቶስ እያ እተርኢ። ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኣብ ምዕራፍ 18 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ቪማ ተባሂሉ ኣብ ዚጽዋዕ መጋባእያ ወይ መንበር ፍርዲ እዩ ቐሪቡ ዘሎ። እቶም መጽናዕቲ ዘካየዱ ጕጅለ፡ ብዛዕባ ሕብርን ኣቃውማን እቲ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ጋልዮስ ቈይሙሉ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እምነ በረድ ዚገልጽ ኣብ ስነ ጥንታዊ ርኽበት እተመስረተ ሓበሬታ ነቶም ሰኣልቲ ኣቕሪቦምሎም እዮም። ብተወሳኺ እውን፡ እቲ ኣብ ማእከል እቲ ስእሊ ዘሎ ጋልዮስ ዚብሃል ምስለኔ፡ ሃጸያዊ ኽዳን ከም እተኸድነ ምእንቲ ኺፍለጥ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣከዳድና ሮማውያን ዚገልጽ ሓበሬታ ኣቕሪቦም እዮም። ጋልዮስ፡ ቀምሽን ጁዅ ዝእድያቱ ቶጋ ዚብሃል ጥንታዊ ኽዳን ሮማውያንን ተኸዲኑ፡ ካልሴ ዚብሃል ዓይነት ሳእኒ ድማ እዩ ወድዩ ዘሎ። እዞም መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ፡ ጋልዮስ ኣብቲ ቪማ ኪቐውም ከሎ ገጹ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገይሩ ደው ዚብል ምዃኑ ኣስተውዒሎም እዮም። በዚ ኸኣ እቲ ሰኣሊ ነቲ ፍጻመ ኣብ ዚገልጽ ስእሊ ኺርአ ዘለዎ ብርሃን ከመይ ኪመስል ከም ዘለዎ ኺርዳእ ክኢሉ እዩ።

እተወደበን ውጽኢታውን

ነቲ ስእልታት እንደገና ኽንጥቀመሉ ስለ እንኽእል፡ ኣብ መዝገብ ንሕዞን ነቲ እተገብረሉ መጽናዕቲ ንስንዶን ኢና። ንብዙሕ ዓመታት፡ ስእልታት ከከም እቲ እተሓትመሉ ጽሑፍ ኣብ ዓበይቲ ጶስጣታት ሰኒድናዮ ኢና። ብካሜራ እተሳእለ ስእልታት እውን ከከም ትሕዝቶኡ ተሰኒዱ እዩ። እዚ ሰነዳት እዚ እናበዝሐ ስለ ዝኸደ ግና፡ ንስእልታት ክትረኽቦን እንደገና ኽትጥቀመሉን ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።

ኣብ 1991፡ ስእልታት ንምርካብ ዚሕግዝ ኢመጅ ሰርቪስስ ሲስተም ዚብሃል ብኮምፕዩተር እተዳለወ መዝገብ ኣዳሊና፣ ኣብቲ መዝገብ ድማ ክሳዕ ሎሚ ልዕሊ 440,000 ስእልታት ተዓቂቡ ይርከብ። ኣብ ርእሲ እቲ ድሮ ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸ ስእልታት፡ ካልእ ንመጻኢ ኣብ ጽሑፋትና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኣሽሓት ዚቝጸር ተወሳኺ ስእልታት እውን ኣብቲ መዝገብ ተዓቂቡ ኣሎ።

እቲ ስእሊ መዓስን ኣበይን ኣብ ጥቕሚ ኸም ዝወዓለ፡ ስማት እቶም ኣብቲ ስእሊ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ከምኡ ድማ እቲ ስእሊ ነየናይ እዋን ከም ዚገልጽ ዝኣመሰለ ዝርዝራት እውን ተመዝጊቡ ይርከብ። ብፍላይ ሓደስቲ ጽሑፋት ኪዳሎ ኸሎ፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምስቲ ትምህርቲ ዚሰማማዕ ስእሊ ቐልጢፍካ ናይ ምርካብ ክእለት ጠቓሚ እዩ።

ሓድሓደ ግዜ ንገሊኡ ፍሉይ ስእልታት ካብ ናይ ንግዲ ትካላት ፍቓድ ዋኒን ንሓትት ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ መጽሔት ንቕሑ! ኣብ እትወጽእ ዓንቀጽ ናይ ሳተርን ቀለቤት ዘለዎ ስእሊ ኽንጥቀም ኣድልዩ ንበል። ተሓጋገዝትና ነቲ ተደልዩ ዘሎ ስእሊ ምስ ረኸቡ፡ ምእንቲ ኽንጥቀመሉ ንዋና እቲ ስእሊ ፍቓድ ይሓትቱ። ገሊኦም፡ እዚ ስእሊ ንዓለምለኻዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ዕዮ ኽንጥቀመሉ ኸም ዝደለና ምስ ፈለጡ ብናጻ ኽንጥቀመሉ የፍቅዱ እዮም። ካልኦት ግና እተወሰነ ገንዘብ ክንከፍል ወይ ምንጪ እቲ ስእሊ ኽንጽሕፍ ይሓትቱ እዮም። ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ ኸኣ ነቲ ስእሊ ኣብ ጽሑፋትና ንጥቀመሉ፡ ብእኡ ኣቢልና እውን ነዚ ስእልታት ኣብቲ ብኮምፕዩተር እተዳለወ መኽዘንና ንስንዶ።

ሎሚ ገሊኡ ጽሑፋትና ብዙሕ ስእልታት እዩ ዘለዎ። ንኣብነት፡ ኣብዚ ወብ ሳይት እዚ ብዛዕባ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ስእልታት ከምኡ ድማ ብሒደት ቃላት ኣገዳሲ ትምህርትታት ዚምህር ከም ንኣምላኽ ስምዓዮ ዝኣመሰለ ሕብራዊ ብሮሹራት ኣሎና። እዚ ጽሑፋት እዝን ካልእ ዝተረፈ ሕታማትናን ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ወብ ሳይትናን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ዜተባብዕ እዩ።