ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ታሪኽና ዚገልጽ ምርኢት

ብዛዕባ ታሪኽና ዚገልጽ ምርኢት

ኣብ ጥቅምቲ 2012፡ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና ብዛዕባ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜርኢ ምርኢት ተኸፊቱ። a እቲ ምርኢት ገለ ክርስትያናት ብዛዕባ ዝነበሮም ቃልስታት፡ ብዛዕባ ዜጋጠሞም ሓደጋታት፡ ነዚ ድማ ብኸመይ ከም ዝሰገርዎ ዚገልጽ እዩ።

እቲ ምርኢት፡ ክርስትና ኣብ 33 ድ.ክ. ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ እዚ ግዜና ዘሎ ታሪኽ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ኣርባዕተ ኽፍልታት እተመቕለ ዀይኑ ንዅሉ ዜራኽብ ግዜ ሰሌዳ ድማ ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ክፋል፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣርእስትን ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ሓጺር መፋለጢ ቪድዮን ኣለዎ። እቲ ቪድዮ ብሽዱሽተ ቛንቋታት ማለት፡ ብፈረንሳይኛ፡ ብጥልያንኛ፡ ብጃፓንኛ፡ ብኮሪያኛ፡ ብፖርቱጋልኛ፡ ስፓንኛ ይትርጐም እዩ።

ቀንዲ ኽፋላት እቲ ምርኢት

እቲ ቐዳማይ ክፋል፡ ኣብ ዮሃንስ 3:19 እተመስረተ ዀይኑ፡ “ሰባት፡ ጸልማት ፈትዮም” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቄናን ነገር ዚዛረቡ” እኩያት ሰባት ኪትንስኡ ምዃኖም ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:30) እዚ ሓቂ ምዃኑ ዜረጋግጽ መርትዖታት ከኣ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዘሎ ሰሌዳ ግዜ ይርከብ እዩ።

እቲ ኻልኣይ ክፋል፡ ካብ 2 ቈረንቶስ 4:6 እተወስደ፡ “ብርሃን ይብራህ” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዎ። እቲ ግዜ ሰሌዳ፡ ካብ መወዳእታ 1800ታት ኣትሒዙ ኽሳዕ መጀመርያ 1900ታት ዘሎ ግዜ ዚሽፍን እዩ። ኣብ መጀመርያ እዚ ኽፋል እዚ፡ ቅኑዓት ሰባት ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ብሓድሽ ኪምርምሩ ኸም ዝጀመሩን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ድማ ፍልጠቶምን ቍጽሮምን ወሲኹ ኸም ዝነበረ ዚገልጽ ሓበሬታ ይርከብ።

ቀጺሉ ድማ ብዛዕባ እታ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ዘርእስታ ህብብቲ ፊልም ዚገልጽ ሓበሬታ ይርከብ። ብ1914፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሽዑ ዚጽውዑሉ ዝነበረ ስም እዩ) ዘይንቀሳቐስን ተንቀሳቓስን ስእልታት ምስ ድምጺ ኣዋሂዶም ፊልም ኣዳልዮም ነይሮም እዮም። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ድማ ነታ ፊልም ርእዮምዋ እዮም። ኣብቲ ምርኢት፡ ገለ ኻብቲ ሽዑ ዝነበረ ስእልን ካብቲ ፊልም እተወስደ ሓጺር መፋለጥን ልዕሊ 500 ተንቀሳቐሲ ሕብራዊ ስእልታትን ቀሪቡ ኣሎ።

እቲ ሳልሳይ ክፋል፡ ካብ ራእይ 12:17 እተወስደ፡ “እቲ ገበል ተቘጥዐ” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዎ። ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝወረዶም መስጐጕትን ዛንታ ገለ ኻብቶም ኣብ እዋን ውግእ ገለልትነቶም ዝሓለዉ እሙናት ክርስትያናትን ሒዙ ኣሎ። ሓንቲ ኻብቲ ቪድዮታት፡ ብዛዕባ ሓደ ሪሚጂዮ ኩሚነቲ ዚብሃል ወተሃደራዊ ኽዳን ምኽዳንን ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስታፍን ዝኣበየ ኢጣልያዊ ናይ የሆዋ ምስክር ትገልጽ። ካልእ ቪድዮ ድማ ብዛዕባ ሓደ ኣሎዊስ ሞይዘር ዚብሃል “ሀይል ሂትለር” ኢሉ ሰላምታ ብዘይምሃቡ፡ ካብ ስራሕ እተሰጐገን ጸኒሑ ድማ ኣብ ዳኻው ኣብ ዚርከብ መዳጐኒ ደምበ ዝተኣስረን ኦስትርያዊ ሓው ተዘንቱ።

ጽልምት ዝበለት ሸላ ቤት ማእሰርቲ ኸም እትመስል ጌርካ እተሰርሐት ሓንቲ ኽፍሊ ድማ ስእልታት እቶም ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ከም ግሪኽን ጃፓንን ፖላንድን ሰርብያን ዝኣመሰላ ሃገራት እተኣስሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይርከብ።

እቲ “ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት” ዚብል ኣርእስቲ እቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል፡ ኣብ ማቴዎስ 24:14 እተመስረተ እዩ፣ ካብ 1950 ክሳዕ ሎሚ ዘሎ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ዜርኢ እዩ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ስእልታት ነቲ ቐንዲ መለለዪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ቕልጡፍ ዕቤትን ጽዑቕ ዕዮ ስብከትን ሕውነታዊት ፍቕርን ዚገልጽ እዩ።

በጻሕቲ ዑደቶም ቅድሚ ምውዳኦም፡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅድሚ 100 ዓመት ዚጥቀምሉ ዝነበሩ “ቤት መጽሓፍ ቅዱስ”ን “ማሕደር ብሩክሊን”ን ዚብሃል ህንጻታት ከም ዚመስል ጌርካ እተዳለወ ኣሳታፊ ኽፍሊ እውን ኪርእዩ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ምርእቲ ስለምንታይ እዩ ተዳልዩ፧

ነዚ ምርኢት እዚ ንምድላውን ንምህናጽን ሓደ ዓመት እዩ ወሲዱ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ከም ውርሻ ኣኽቢርካ ዚርአ እተፈላለየ ናውቲ ወፍዮም እዮም።

እዚ ዅሉ ጻዕሪ ግና ስለምንታይ እዩ ኣድልዩ፧ ሓደ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብዚ ምርኢት እዚ እንታይ ጥቕሚ ኸም ዚረኽቡ ኺገልጽ ከሎ፡ ነታ “ናበይ ንኸይድ ከም ዘለና ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ካበይ ከም ዝመጻእና ኽንፈልጥ ኣሎና” እትብል ፍልጥቲ ኣበሃህላ ደገማ።

a እቲ ምርኢት ኣብ 25 ኮሎምብያ ሀይትስ፡ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ እዩ ተኸፊቱ። ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ. ክሳዕ ሰዓት 5:00 ድ.ቀ. ከኣ ክፉት እዩ። መእተዊ ብናጻ እዩ።