ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ንደቀባት ኣመሪካ ዚኸውን ጽምብልን ሓበሬታን

ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ንደቀባት ኣመሪካ ዚኸውን ጽምብልን ሓበሬታን

ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ደቀባት ኣመሪካ፡ መብዛሕትኦም ኣብቲ እተሓዝአ ገጠራት እታ ሃገር ዚነብሩ እዩ ዚመስሎም። ግናኸ፡ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ደቀባት ኣመሪካ ኣብ ከተማ እዮም ዚነብሩ። እታ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝዓበየት ከተማ ዝዀነት ኒው ዮርክ፡ “ኣፍ ደገ ኣህዛብ” ዚብሃል ካብ 5-7 ሰነ 2015 እተገብረ ጽምብል ደቀባት ኣመሪካ ኣካይዳ ነይራ። a ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከቡ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እዚ ጽምብል ምስ ፈለጡ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኺእከቡ መደባት ገይሮም እዮም። ስለምንታይ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ናብ ኣማእታት ቋንቋታት፡ እንተላይ ናብ ብላክፉት፡ ዳኮታ፡ ሆፒ፡ ሞሃውክ፡ ናቫሆ፡ ኦዳዋ፡ ፕለይንስ ክሪ ዚብሃል ቋንቋታት ደቀባት ኣመሪካ ይትርጕሙ እዮም። ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ “ኣፍ ደገ ኣህዛብ” ዚብሃል ጽምብል፡ ገለ ኻብዚ ጽሑፋት እዚ፡ እንተላይ እታ ንፈጣሪ ኽትኣምኖ ትኽእል ኢኻ! (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ትራክት፡ ኣብ ማራኺ ሰደቓታትን ዓረብያታትን ዘርጊሖም እዮም።

ወግዓዊ ወብሳይትና ድማ ብመብዛሕትኡ ኻብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ቛንቋታት፡ ቅዳሓት ኣውድዮን ቪድዮን የቕርብ እዩ። ኣብቲ “ኣፍ ደገ ኣህዛብ” እተኻፈሉ ናይ የሆዋ መሰኽኽር፡ ሓያሎ ኻብቲ ቕዳሓት እቲ ተሃንጥዮም ንዚሰምዑ በጻሕቲ ወሊዖምሎም እዮም፣ እቶም በጻሕቲ እውን መብዛሕትኦም ካልኦት ተሳተፍቲ ዜቕርብዎ ምርኢታትን ታቤላታትን ብእንግሊዝኛ ወይ ብስጳንኛ ምዃኑ ተዓዚቦም እዮም።

ብዙሓት ኣብቲ ጽምብል እተሳተፉ፡ ናብ ሓያሎ ቛንቋታት ደቀባት ኣመሪካ ንምትርጓም ብእተገብረ ጻዕሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ከተማታትን ኣብ ሕዛእትታትን ዚግበር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዕዮ ትምህርቲ ተደኒቖም እዮም። ሓደ ኻብቶም ነቲ ጽምብል ዝወደቡ ሰራሕተኛታት ምስ ዕዮና ድሕሪ ምልላዩ፡ “ክትበጽሑንን መጽሓፍ ቅዱስ ክምሃርን ተሃንጥየ እየ ዘለኹ!” ብምባል መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረሉ ሓቲቱ እዩ።

ጽሙማን ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ደቀባት ኣመሪካ ናብ ሓደ ኻብቲ እተዘርግሐ ምርኢትና ምስ መጹ፡ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬዘራርብዎም ኣይከኣሉን። ሽዑሽዑ ግና፡ ቋንቋ ምልክት እትኽእል ናይ የሆዋ ምስክር መጺኣ። ንሳ ድማ ምስቶም ሰብ ሓዳር ን30 ደቒቕ ተዛራሪባ፣ ኣብ ከባቢኦም ብቛንቋ ምልክት ዚግበር ኣኼባ ዞባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብኸመይ ከም ዚረኽብዎ ነጊራቶም።

ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ልዕሊ 50 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሳቲፎም እዮም፣ ናብቲ ምርኢት ዝመጹ በጻሕቲ ኸኣ ኣብቲ ሰለስተ መዓልቲ ዝወሰደ ጽምብል ልዕሊ 150 ጽሑፋት ወሲዶም እዮም።

a ብመሰረት ስነ ሰበኛ ዊልያም ፓወርስ፡ ዘመናዊ ጽምብል ደቀባት ኣመሪካ፡ “ብሓባር ዚድረፍ ደርፍን ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዚሳተፍዎ ሳዕስዒትን ዜጠቓልል ማሕበራዊ ፍጻመ እዩ።”—ኢትኖምዩዚኮሎጂ፡ መስከረም 1968፡ ገጽ 354