ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰባት ምስ jw.org ኪላለዩ እተገብረ ዓለምለኻዊ ወፈራ

ሰባት ምስ jw.org ኪላለዩ እተገብረ ዓለምለኻዊ ወፈራ

ኣብ ነሓሰ 2014፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት እተፋልጥ ትራክት ዘርጊሖም እዮም። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ቝጽሪ እቶም ነዚ ወብ ሳይት ዚጥቀሙ ሰባት ብልዕሊ 20 ሚእታዊት ወሰኽ ብምግባር፡ ናብ 65 ሚልዮን ተገማጊሙ እዩ። ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ዳርጋ 10,000 ዚዀኑ ሰባት በታ ወብ ሳይት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኪምርሓሎም ሓቲቶም፣ እዚ ድማ ምስታ ቕድሚኣ ዝነበረት ወርሒ ኺነጻጸር ከሎ ብ67 ሚእታዊት ወሰኽ ገይሩ! እዚ ወፈራ እዚ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዚርከቡ ሰባት ሓጊዙ እዩ።

ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት መልሲ ኺረኽቡሉ ንዚደልዩ ሰባት

ሓንቲ ኣብ ካናዳ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር፡ ኣብ ሊፍት ንሓንቲ ማደሊን እትብሃል ሰበይቲ ሰላም ድሕሪ ምባል፡ ነታ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧ ዘርእስታ ብወፈራ እትዕደል ዝነበረት ትራክት ኣርእያታ። ማደሊን፡ ኣብ ድሮ እታ ምሸት ኣብ ርሻን ቤታ ኣብ ዘሎ ሰገነት ኰይና፡ ኣምላኽ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት መልሲ ኽትረኽበሉ ኺሕግዛ ኣጽኒዓ ትጽሊ ኸም ዝነበረት ገሊጻትላ። ናብ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ብምድዋል መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረላ እኳ እንተ ሓተተት፡ ካብ ዋላ ሓደ መልሲ ኣይረኸበትን። ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐት፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ጀሚራ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንዘይፈልጡ ሰባት

ኣብ ፊሊፒንስ፡ ሮወና ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ምግቢ ደው ኢሉ ንዝነበረ ቻይናዊ ሰብኣይ ኣዘራሪባቶ። ነታ ትራክት ብምሃብ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ካብቲ ብናጻ ዚውሃብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺጥቀሙ ኺሕግዝዎም ከም ዚደልዩ ገሊጻትሉ።

እቲ ሰብኣይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ርእይዎ ኸም ዘይፈልጥ ነጊሩዋ። እቲ ስዒቦም ዝገበርዎ ምይይጥ ድማ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪካፈል ደሪኽዎ እዩ። ብድሕሪኡ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኺፈልጥ ከም ዚደልን ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ወብ ሳይትና ኼራግፎ ምዃኑን ነጊርዋ።

ንጽሙማን

ሓደ ጊልየርሞ ዚብሃል ኣብ ስጳኛ ዚነብር ጽሙም ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ሆርሄ ዚብሃል ቀደም መማህርቱ ዝነበረ ጽሙም ረኸቦ። ሆርሄ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣዲኡ ኸም ዝሞተቶን ዜተሓሳስቦ ብዙሕ ሕቶታት ከም ዘለዎን ገሊጹሉ። ጊልየርሞ ነታ ብወፈራ እትዕደል ዝነበረት ትራክት ሂብዎ፡ ብኸመይ ነቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ተጠቒሙ ንመብዛሕትኡ ሕቶታቱ ዚምልስ ሓበሬታ ብምልክት ቋንቋ ኺረክብ ከም ዚኽእል ድማ ገሊጹሉ። ናብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ኪመጽእ እውን ዓዲምዎ። ሆርሄ ናብቲ ኣኼባ መጸ፣ ካብቲ ኣዳራሽ 60 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚነብር እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ሽዑ ንደሓር ካብ ኣኼባታት በዂሩ ኣይፈልጥን እዩ።

ኣብ ግሉል ቦታታት ንዚነብሩ

ኣብ ግሪንላንድ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ኽልተ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ብርክት ዝበለ ገንዘባዊ ወጻኢታት ብምግባር፡ 280 ተቐማጦ ናብ ዘለዉዋ ቦታ ንምብጻሕ ብንእሽቶ ጃልባ ገይሮም ንሽዱሽተ ሰዓት ተጓዒዞም እዮም። ኣብኡ ድማ ሰቢኾምን ትራክትታት ኣበርኪቶምን ካብ jw.org ብግሪንላንድኛ ቪድዮ ኣርእዮምን እዮም። ንጽምዲ ሰብ ሓዳር እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑሎም ጀሚሮም እዮም። ሕጂ ድማ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ብተሌፎን ነቲ መጽናዕቲ ይመርሑሎም ኣለዉ።

እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጻዕሪ ኣብ ርሑቕ ሰሜን እተሓጽረ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ኒከራግዋ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነታ ትራክት ነቶም ኣብ ዕሙር ጫካ ካሪብያን ዚነብሩ ቛንቋ ማያንጋ ዚዛረቡ ሰባት ኬበርክቱሎም መደብ ገይሮም እዮም። ናብቲ ቦታ ምእንቲ ኺበጽሑ በቲ ዘይጥጡሕ ጽርግያ እሞ ኸኣ ዝኣረጋ ኣውቶቡሳት ተሰቒሎም ን20 ሰዓት ዚኣክል ከየቋረጹ ተጓዒዞም፣ ብእግሮም ድማ ን11 ሰዓት ከይዶም፡ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ጭቃ ብዝመልኦ ቦታ ተጓዒዞም እዮም። ኣብኡ ብቛንቋ ማያንጋ ትራክትታት ምስ ኣበርከቱን ቪድዮታት ምስ ኣርኣዩን፡ ብዙሓት ደቂ እቲ ኸባቢ ተደኒቖምን ተሓጕሶምን እዮም።

እስተላ ንሓደ ኣብ ጫካ ኣማዞን፡ ብራዚል ብእትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ዚሓልፍ ዝነበረ ሰብኣይ ሓንቲ ትራክት ኣበርኪታትሉ እያ። እቲ ሰብኣይ ብዙሕ ተገዳስነት ከየርኣየ፡ ነታ ትራክት ተቐቢሉ ኣብ ጁባኡ ኣእትዩዋ ኸይዱ። ናብ ቤቱ እናኸደ ኸሎ፡ ሞተር ጃልባኡ ስለ እተበላሸወ ኣብ ማእከል እቲ ፈለግ ደው በለ። እቲ ሰብኣይ፡ ዚሕግዞ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ ነታ ትራክት ኣንበባ። ብሞባይሉ ኸኣ ነቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት ብምኽፋት፡ እተወሰነ ዓንቀጻት ኣንቢቡን ቪድዮታት ኣራጊፉን እዩ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ምስ ሰብኣይ እስተላ ምስ ተራኸበ፡ ብዛዕባ እታ ትራክት ንሰበይቱ ኼመስግነሉ ሓተቶ። ከምዚ ድማ በሎ፦ “እቲ ኣብ ማእከል ፈለግ ደው ኢለ ኸለኹ ዘንበብኩዎ ዓንቀጻት፡ ካልእ ጃልባ መጺኣ ኽሳዕ እትረድኣኒ ብትዕግስቲ ኽጽበ ሓጊዙኒ እዩ። ደቀይ እውን ነተን ናይ ካሌብ ቪድዮታት ፈትዮምወን እዮም፣ ንjw.org ብቐጻሊ ኽጥቀመሉ እየ።”