ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ሃንጋሪ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ረድኤት ብምሕጋዞም ተናኢዶም

ኣብ ሃንጋሪ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ረድኤት ብምሕጋዞም ተናኢዶም

ኣብ ሰነ 2013፡ ኣብ ማእከላይ ኤውሮጳ ብሰንኪ ዝዘነመ ኸቢድ ዝናም፡ ኣፍላግ ኣዕለቕሊቑ ነይሩ። ኣብ ሃንጋሪ ዚርከብ ፈለግ ዳንዩብ፡ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን መሊኡ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሚኒስትሪ ሰብኣዊ ሃብቲ ሃንጋሪ፡ ኣብ ሃንጋሪ ኻብ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቲ ምዕልቕላቕ ጕዳት ከየስዕብ ኣብ ዚግበር ናይ ምክልኻል ጻዕሪ ደገፍ ሓቲቱ። እቲ ቤት ጽሕፈት ድማ ኣብ ከባቢ ፈለግ ዳንዩብ ንዚርከባ ጉባኤታት፡ ኣብቲ ሰበ ስልጣን እቲ ኸባቢ ዘዳለውዎ ናይ ምክልኻል ዕዮ ኽሳተፋ ዓዲሙ።

እተን ጉባኤታት ከኣ ቅልጡፍ ምላሽ እየን ሂበን። ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ መዓልትታት፡ ካብ 72 ጉባኤታት ዝመጹ ልዕሊ 900 መሰኻኽር የሆዋ፡ ነቲ ደንደስ እቲ ፈለግ ኣደልዲሎምዎ። ስሞምን ስም ከተማኦምን ዝሓዘ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዚብል ባጅ ገይሮም ነይሮም።

ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ተወካሊ እቲ ናይቲ ኸባቢ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሃንጋሪ ናብ ሓንቲ ጉባኤ ነዚ ዚስዕብ መልእኽቲ ሰዲዱ፦ “ካብ ርሑቕ ተጓዒዝኩም መጺእኩም ብሓድነትን ብፍቓደኛነትን ስለ ዝሓገዝኩም፡ ከነመስግነኩምን ኣኽብሮትና ኽንገልጸልኩምን ንደሊ። ነቲ ዜደንቕ ኣብነትኩም ኣብ ከተማና ተሓቢነ ኽዛረበሉ እየ!”

ኣባል ባይቶ ሃንጋሪ ዝዀነ ኣቦ መንበር ማሕበር ረድኤት ሓደጋ እውን፡ ነቲ መሰኻኽር የሆዋ ዘበርከትዎ ድጋፍ ንምምስጋን ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ደብዳበ ሰዲዱ እዩ።