ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቕዩዳት ብምሕጋዞም ተመስጊኖም
ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብሩ ትሽዓተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ መጽንሒ ስደተኛታት ኣውስትራልያ ንዚርከቡ ቕዩዳት፡ “ብሉጽ ኣገልግሎት” ስለ ዝሃብዎም፡ ናይ ምስጋና ወረቐት ምስክር ተዋሂብዎም። እቶም መሰኻኽር የሆዋ እቲ ወረቐት ምስክር ኣብ ጥቓ ደርቢ፡ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ ካብ ዚርከብ ማእከል መጽንሒ ስደተኛታት ከርተን እዩ ተዋሂብዎም። a
እቶም መሰኻኽር የሆዋ ናብቶም እሱራት ሰሙን ሰሙን እናኸዱ ብዛዕባ ዜጋጠሞም ነገራት ይሰምዕዎምን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜጸናንዕ መልእኽትን ተስፋን ይነግርዎም እዮም። ሓላፊ ርክብ ጕዳያት ሃይማኖትን ባህልን ዝዀነ ክሪስቶፈር ሪዶክ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ዝገብርዎ ምብጻሕ ኣብቶም ስደተኛታት ዘሕደሮ ጽልዋ ብኡብኡ እዩ ብቐሊሉ ዚርአ” ኢሉ እዩ። እቶም ስደተኛታት “ብኣታቶም ናይ ብሓቂ ዚግደሱ ሰባት ከም ዘለዉ ብምፍላጦም” ሕጉሳት ከም ዚዀኑ እውን ገሊጹ እዩ።
ሚስተር ሬዶክ እቲ ምስክር ወረቐት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ንህይወት እዞም ኣብ ትሕቲ ዕቝባና ዘለዉ ሰባት ስለ ዘመሓየሹ” ብምባል፡ በዚ ምኽንያት እዚ እተዋህበ ንእሽቶ መግለጺ ምስጋና ምዃኑ ሓቢሩ እዩ። ወሲኹ እውን፡ እቶም መሰኻኽር የሆዋ፡ “ንቤተ ሰቦምን ንጉባኤኦምን ንእምነቶምን ዜሐብኑ እዮም” ኢሉ እዩ።
a እቲ መጽንሒ ስደተኛታት ክሳዕ 1,500 ሰባት ኪሕዝ ይኽእል።