“ብሓቂ ኣብነት ትዀኑ ኢኹም!”
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከባቢ እታ ኣብ ሲስሊ እትርከብ ከተማ ሳፖናራ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ንዝገበርዎ ዕዮ ረድኤት፡ ሽልማት ተቐቢሎም።
ኣብ 22 ሕዳር 2011፡ ኣብ ኣውራጃ መሲና ኣብ ዚርከባ ገለ ኸተማታትን ኣቝሻትን ሓያል ምዕልቕላቕ ማይ ኣጋጢሙ ነይሩ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ድማ፡ ኣብ ሳፖናራ ብዘጋጠመ መደራጋሕ፡ ሓደ ቘልዓን ክልተ ሰብኡትን ሞይቶም።
ንጽብሒቱ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ በቲ ሓደጋ እተሃስየ ኸባቢታት ዝነበረ ጭቃን ፍርስራስን ንምጽራይ ዜድሊ ናውቲ እተዓጥቑ ወለንተኛታት ወዲቦም።
እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሰበ ስልጣናት ብምትሕብባር፡ ኣብቲ ዝያዳ ሓገዝ ዜድልዮ ቦታታት እዮም ዓይዮም። ድሕሪ እቲ ህጹጽ ረድኤት ዜድልየሉ ዝነበረ እዋን እውን ዓይዮም እዮም። ኣብቲ ዕዮ፡ ካብ 50 ክሳብ 80 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ተኻፊሎም፡ ገሊኦም እሞ ኸኣ ልዕሊ 97 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም እዮም መጺኦም።
ኣብቲ ባህርያዊ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ኸባቢ ዚነብሩ ብዙሓት ነበርቲ፡ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኻር ኣመስጊኖምዎም እዮም። ከንቲባ እታ ኸተማ ድማ ብተደጋጋሚ፡ “ብሓቂ ኣብነት ትዀኑ ኢኹም!” ኢልዎም እዩ።
ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ኸኣ ኣባል ቤት ምኽሪ ዝዀነ ፋብዮ ቪንቺ፡ ብስም ምምሕዳር እታ ኸተማ ነታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሽልማት ሂቡ እዩ።