ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ታይላንድ፡ ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቶም ዕዉታት ኪዀኑ ተሓጊዞም

ኣብ ታይላንድ፡ ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቶም ዕዉታት ኪዀኑ ተሓጊዞም

ኣብ ታይላንድ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ታሕሳስ 2012 ኣትሒዞም፡ ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቶም ዕውታት ኪዀኑ ዚሕግዞም ፍሉይ ወፈራ ኣካይዶም እዮም። ዕስራ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከባቢ ባንግኮክ ንዚርከባ ቤት ትምህርትታት በጺሖም እዮም። ምስ ነፍሲ ወከፍ ኣመሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምርኻብ ከኣ፡ ንመምህራንን ንተምሃሮን ነታ “ኣብ ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ከም እትዕወት” ዘርእስታ ናይ ጥቅምቲ 2012 ሕታም ንቕሑ! ሂቦምዎም።

እዚ ወፈራ እዚ ዕውት ስለ ዝነበረ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ወፈራ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ከም ዚካየድ ገበሩ። ኣብቲ ዝቐጸለ ዓመትን መንፈቕን ኣብ 830 ኣብያተ ትምህርቲ በጺሖም እዮም፣ ተምሃሮን መምህራንን ነታ ሕታም ንቕሑ! ንምቕባል ህንጡያት ስለ ዝነበሩ ድማ ነቲ ጠለብ ንምምላእ ሰለስተ ሳዕ ክትሕተም ኣድልዩ እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ጠለብ ሕትመት እታ ናይ ጥቅምቲ 2012 ሕታም ንቕሑ! ኣስታት 30,000 ቅዳሕ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ርእሰ ነገር እዛ ሕታም ኣዝዩ ፍቱው እናዀነ ብምኻዱ ልዕሊ 650,000 ቅዳሕ እያ ተዘርጊሓ።

ኣመሓደርቲ ቤት ትምህርትን መምህራንን ንኣገዳስነት መጽሔት ንቕሑ! ኪግንዘብዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ሓደ መምህር፡ “እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ተምሃሮና ምስ ስድራ ቤቶም ዝያዳ ኺቀራረቡን ዚብጻሕ ሸቶታት ኬውጽኡን ክትሕግዞም እያ” በለ። ገሊአን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ንትሕዝቶ እዛ መጽሔት ኣብቲ ስሩዕ ስርዓተ ትምህርተን ኣተኣታትየናኦ እየን። ካልኦት ድማ ነዛ መጽሔት ኣብ ክፍሊ ብንባብ ንዚቐርብ መላመዲ ተጠቒመናላ እየን። ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ተምሃሮ ኣብ ትሕዝቶ እዛ መጽሔት እዚኣ እተመስረተ ጽሑፍ ኬዳልዉ ተሓቲቶም እዮም፣ እቶም ዝበለጸ ጽሑፍ ዘቕረቡ ኸኣ ተሸሊሞም።

ሓንቲ ተምሃሪት፡ ነታ “ኣንጻር እቲ ኣብ ግዜ ንእስነት ዜጋጥም ክቱር ርጕዲ ኣብ ዚግበር ቃልሲ ምዕዋት” ዘርእስታ ኣብታ መጽሔት ዝወጸት ዓንቀጽ ዘለዋ ሞሳ ገሊጻ እያ። ኣመና ምርጓድ ልሙድ ጸገም ይኸውን ከም ዘሎን መሓዙታ ብዛዕባኡ ምስ ካልኦት ንምዝራብ ጽቡቕ ከም ዘይስምዐንን እውን ገሊጻ እያ። ቀጺላ ድማ፡ “ኣዝዩ ዚርዳእን ብቐሊሉ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ዚከኣልን ምኽሪ ስለ ዘቕረብኩምልና አመስግነኩም” በለት።

ወለዲ እውን ነታ መጽሔት ኣማስዮምላ እዮም። ሓንቲ ኣደ፡ ኣብ ቤታ ንዝበጽሓኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ መጽሔት ዘለዋ ሞሳ ኽትገልጸለን ከላ፡ “ጓለይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕ ንኽትዓዪ ኺሕግዛ ዚኽእል ጠቓሚ ነጥብታት ኣለዋ” በለት።

ኣፈኛ ኣብ ታይላንድ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ፒካይ ፔትራትዮቲን ከምዚ በለ፦ “መጽሔት ንቕሑ! ነቲ ሎሚ ንሰባት ብሓቂ ዚጠቕሞም ዘሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ እያ እተጕልሕ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ጥቕሚ ትምህርቲ ኣጸቢቖም ስለ ዚርድእዎ፡ ኵሎም ሰባት ነዛ ሕታም እዚኣ ብዘይ ክፍሊት ከም ዚረኽብዋ ብምግባርና ሕጉሳት ኢና።”