ዑደት ቤት-ኤል
ቤት-ኤል ኢልና ኣብ እንጽውዖ ኣብያተ ጽሕፈትና ዑደት ክትገብር ብኽብሪ ንዕድመካ። ገሊኡ ኣብያተ ጽሕፈትና ብዘይ መራሕ ዑደት እዩ ዚግበር።
Tours Resumed: In many countries, we resumed tours of our branch offices on June 1, 2023. For details, contact the branch you would like to tour. Please do not visit if you test positive for COVID-19, display cold or flu-like symptoms, or have recently been exposed to someone who tested positive for COVID-19.
ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ
ኣብዚ ገጽ እዚ
ሓበሬታ ዑደት
ዑደት
ዎርዊክ፡ ብዘይ መራሕ ዑደት
መጽሓፍ ቅዱስን መለኮታዊ ስምን። እዚ ምርኢት እዚ፡ ብርቂ መጽሓፍ ቅዱሳትን ስም ኣምላኽ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪእለ ጻዕሪ እኳ እንተ ተገብረ ብኸመይ ከም እተዓቀበን የርኢ። ብርቂ መጽሓፍ ቅዱሳትን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ምትእስሳር ዘለዎ ስርሓት ኢደ ጥበብን ዜርኢ በብግዜኡ ዚቀያየር ክፋል ምርኢት እውን ኣለዎ።
ንስም የሆዋ ዚዀኑ ህዝቢ። ኣብዚ ምርኢት እዚ፡ መንፈሳዊ ውርሻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስእሊ ይርአ። የሆዋ ንህዝቡ ኸመይ ገይሩ ብቐጻሊ ኸም ዝመርሖምን ከም ዝመሃሮምን ከም ዝወደቦምን፡ ብኢደ ስርሓትን ብግራፊክስን ብተመክሮታትን ይርአ።
ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት—እምነት ብግብሪ። እዚ መሳጢ ምርኢት እዚ፡ ኮሚተታት ኣመሓዳሪ ኣካል ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓባር ኪእከቡን ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን መንፈሳዊ ምግቢ ኺምገቡን ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ኺስዕቡ ብኸመይ ከም ዚሕግዞም የርኢ።
ፓተርሰን፡ ብዘይ መራሕ ዑደት
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ቝሸት። የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ህይወት ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ነቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ቝሸት ክትርኢ፡ ካብኡ ሓሊፍካ እውን ኣብቲ እዋን እቲ ዚግበር ኣብ ዝነበረ መዓልታዊ ንጥፈታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። እዚ ዑደት እዚ፡ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ብሉጽ ክትገብሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሰናቲም። እዚ ምርኢት እዚ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እተጠቕሰ እተፈላለየ ዓይነት ሰናቲም ዜርኢ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሳንቲም ብዝርዝር የጕልሕ፣ ምስ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ እውን ይገልጽ።
“ኵሎም ደቅኺ ብየሆዋ ኺምሃሩ እዮም።” እዚ ምርኢት እዚ፡ ታሪኽ ኣብያተ ትምህርትን መደብ ስልጠናን ውድብ የሆዋ የርኢ። እዚ ኣብያተ ትምህርቲ ንወለንተኛታት ብኸመይ ውጽኢታውያን መምሃራንን ሽማግለታት ጉባኤን ኪዀኑ ኸም ዝሓገዞም ፍለጥ።
‘ነቲ ብስራት ምምጓትን ብሕጊ ምስራትን።’ እዚ ምርኢት እዚ፡ ብዛዕባ ተመክሮ እቶም ሓያል ምጽራር ዘጋጠሞምን ዜጋጥሞም ዘሎን፡ ግናኸ ኣብ እምነቶም ዘይተለማለሙ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜርኢ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዕዮ ስብከትና ብሕጊ ንምስራት ውድብ የሆዋ እንታይ ከም ዝገበረት ርአ።