ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መርዓ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዩ ዚግበር፧

ኣብ መርዓ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዩ ዚግበር፧

 መርዓ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቐሊልን ክብሪ ዝዓሰሎን ኰይኑ፡ ኣብኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓጺር መደረ ይቐርብ እዩ። ድሕሪ እቲ ጽምብል፡ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ወይ ድግስ ኪስዕብ ይኽእል እዩ። a የሱስ ኣብቲ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብ ከተማ ቃና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድግስ ተኻፊሉ ነይሩ እዩ።—ዮሃንስ 2:1-11

 እቲ ጽምብል መርዓ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧

 ቀንዲ ኽፋል እቲ ጽምብል፡ መደረ መርዓ እዩ፣ እዚ 30 ደቒቕ ዚወስድ መደረ እዚ፡ ብሓደ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ዚቐርብ። እቲ ምዉቕን ሃናጽን መደረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ተመራዓውቲ ብኸመይ ነባርን ፍቕራውን ሕጉስን ሓዳር ኪህልዎም ከም ዚኽእል የጕልሕ።—ኤፌሶን 5:33

 ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ንኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስነ ስርዓት መርዓ ኺፍጽሙ ስልጣን ይህብዎም እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ መደረ፡ እቶም ተመራዓውቲ ቓል ኪዳን ይኣትዉ። ቀለቤት መርዓ እውን ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ድሕሪኡ እቲ ኣገልጋሊ፡ ደጊም ሰብኣይን ሰበይትን ከም ዝዀኑ የፍልጥ።

 ገሊአን ሃገራት፡ ተመራዓውቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኺምርዓዉ ዚእዝዝ ሕጊ ኣለወን። እቶም ተመራዓውቲ ነዚ ቐቅድሚ እቲ መደረ መርዓ ዚቐርበሉ እዋን ኣብ ዘሎ ሓጺር ግዜ እዮም ዚገብርዎ። እቲ መርዓውን እታ መርዓትን ኣብቲ ሲቪላዊ መርዓ ቓል ኪዳን ዘይተኣታተዉ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ መደረ ኸምኡ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ስነ ስርዓት ቃል ኪዳን እንተ ተኣታትዮም እውን፡ ኣብቲ መደረ ኺደግምዎ ይኽእሉ እዮም፣ ግናኸ፡ ነቲ ቓል ኪዳን ብሕሉፍ ግዜ እዮም ዚዛረብዎ። እቲ መደረ ምስ ተዛዘመ፡ ኣምላኽ ነቶም ሓደስቲ ተመራዓውቲ ኺባርኾም ዚልምን ጸሎት ይቐርብ እዩ።

 መርዓታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣበይ እዩ ዚካየድ፧

 ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ እንተ ዀይኑ፡ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽምብል መርዓኦም ኣብኡ ኺገብርዎ እዮም ዚመርጹ። b ድሕሪኡ እቶም ተመራዓውቲ ድግስ ዚገብሩ እንተ ዀይኖም፡ ንዕኡ ዚኸውን ካልእ ቦታ ይመርጹ እዮም።

 መን ኪእከብ ይኽእል፧

 እቲ መርዓ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ተገይሩ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑን ዘይኰኑን ሰባት ኣብኡ ኺእከቡ ይኽእሉ እዮም። እቶም ተመራዓውቲ ድግስ እንተ ገይሮም፡ ዝደለይዎ እዮም ዚዕድሙ።

 ዕዱማት እንታይ ዓይነት ኣከዳድና ኺህልዎም ኣለዎ፧

 ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር መርዓታት እንታይ ዓይነት ክዳን ክትክደን ከም ዘሎካ ዚገልጽ ዝርዝር ሕጊ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓብ ትሕትናን ኣኽብሮትን ዜርኢ ኽዳን ኪኽደኑ እዮም ዚጽዕሩ። ኣብቲ መርዓ ዚካፈል ኵሉ ሰብ ከምኡ እንተ ገይሩ ድማ ጽቡቕ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:9) እቶም ተመራዓውቲ ድግስ ኪገብሩ እንተ መሪጾም፡ እዚ ንኣከዳድና ዚምልከት ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣብኡ እውን ይውዕል እዩ።

 ዕዱማት ህያባት የምጽኡ ድዮም፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ለጋሳት ክንከውን የተባብዓና እዩ። (መዝሙር 37:21) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ህያባት መርዓ ምሃብን ምቕባልን የሐጕሶም እዩ። (ሉቃስ 6:38) ይኹን እምበር፡ ህያባት ኪውሃቦም ኣይሓትቱን እዮም፣ ሰባት ኣኪቦም ስማት እቶም ወሃብቲ ህያባት እውን ኣይገልጹን እዮም። (ማቴዎስ 6:3, 4፣ 2 ቈረንቶስ 9:7፣ 1 ጴጥሮስ 3:8) ከምዚ ዝኣመሰለ ልምድታት ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ይጋጮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ተኣከብቲ ኸም ዚሓፍሩ ዚገብር እውን እዩ።

 ብርጭቆኻ ኣልዒልካ ሰናይ ትምኒትካ ምግላጽ ኣሎ ድዩ፧

 ኣይፋልን። እዚ ልምዲ እዚ ኻብ ግጉይ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ልምድታት ዝመንጨወ ስለ ዝዀነ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብርጭቆኦም ኣልዒሎም ሰናይ ትምኒቶም ኣይገልጹን እዮም። c ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኻልእ መገድታት እዮም ሰናይ ትምኒቶም ንተመራዓውቲ ዚገልጹሎም።

 ዕዱማት ንተመራዓውቲ ሩዝ ወይ ኮንፈቲ ይነጽጉሎም ድዮም፧

 ኣይፋልን። ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ሰባት ንተመራዓውቲ ሩዝ፡ ኮንፈቲ፡ ወይ ተመሳሳሊ ነገር ይነጽጉሎም እዮም። እዚ ነቶም ተመራዓውቲ ጽቡቕ ዕድልን ሓጐስን ነዊሕ ዕምርን ከም ዜምጽኣሎም ይኣምኑ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግና ኣብ ማሪታዊ እምነታት እተመስረተ ልምድታት ኣይስዕቡን እዮም። እዚ ነቲ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ንጽቡቕ ዕድል ዚግበር ልመና የጠቓልል።—ኢሳይያስ 65:11

 ምግብን መስተን ይቐርብ ድዩ፧

 ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ጽምብል መርዓ ምግብን መስተን ኣይቀርብን እዩ። ድሕርዚ ጽምብል፡ ገሊኦም ተመራዓውቲ እኽለ ማይ ኪቐርበሉ ዚኽእል ድግስ ኪገብሩ ይመርጹ እዮም። (መክብብ 9:7) ኣልኮላዊ መስተ ኬቕርቡ እንተ ወሲኖም፡ ብብዝሒ ኸም ዘይቀርብን ነቶም ኪሰትዩ ሕጊ ኣብ ዜፍቅደሎም ዕድመ ዚበጽሑ ጥራይ ከም ዚቐርበሎምን የረጋግጹ እዮም።—ሉቃስ 21:34፣ ሮሜ 13:1, 13

 ሙዚቃ ወይ ሳዕስዒት ይህሉ ድዩ፧

 እቶም ተመራዓውቲ ድግስ እንተ ገይሮም፡ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ኪህሉ ይውስኑ ይዀኑ። (መክብብ 3:4) እቲ ዚምረጽ ሙዚቃ ኣብ ብሕታዊ ምርጫኦምን ኣብ ባህሎምን ዚምርኰስ እኳ እንተ ዀነ፡ ጥዑይ ከም ዝዀነ የረጋግጹ እዮም። እቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ጽምብል መርዓ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ሙዚቃ ዜጠቓልል እዩ።

 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኽሪ ዕለተ መርዓኦም የብዕሉ ድዮም፧

 ንዝኽሪ ዕለተ መርዓ ዚድግፍ ወይ ዚኽልክል ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘየልቦ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ዝኽሪ ዕለተ መርዓኦም ብዛዕባ ምብዓል ወይ ዘይምብዓል ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳነ ይገብሩ እዮም። ኬብዕሉ እንተ ወሲኖም፡ ክልቲኦም ጥራይ ኰይኖም ወይ ከኣ ምስ ፈተውቶምን ስድራ ቤቶምን ኰይኖም ኬብዕልዎ ይኽእሉ እዮም።

a ባህልታትን ልምድታትን ሕግታትን ከከም ቦታኡ ኺፈላለ ይኽእል እዩ።

b እቲ መደረ ዚህብ ኣገልጋሊ ንጽምብል እቲ መርዓ ኣየኽፍልን እዩ፣ ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምጥቃም ዚሕተት ክፍሊት እውን የልቦን።

c ብዛዕባ ኣረማዊ መበቈል እዚ ልምዲ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ 15 ለካቲት 2007 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዝወጸት፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።