ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዕዮ ሚስዮናውነት ይዓይዩ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ዕዮ ሚስዮናውነት ይዓይዩ ድዮም፧

 እወ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እምነትና ንኻልኦት ኣዘውቲርና ብምንጋር መንፈስ ሚስዮናውነት ከነርኢ ንጽዕር ኢና።—ማቴዎስ 28:19, 20

 ብዘይካዚ፡ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት ዘይሰምዑ ሓያሎ ሰባት ናብ ዘለውዎ ኸባቢታት ሃገሮም ይግዕዙ እዮም። ካልኦት ከኣ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ኼስፍሑ ናብ ወጻኢ ሃገራት ይግዕዙ እዮም። ነቲ የሱስ፡ ‘ክሳብ ወሰናት ምድሪ መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም’ ኢሉ እተነበዮ ትንቢት ኣብ ምፍጻም እጃሞም ስለ ዜበርክቱ ሕጉሳት እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8

 ብ1943፡ ገሊኦም ሚስዮናውያን ፍሉይ ስልጠና ዚረኽብሉ ቤት ትምህርቲ መስሪትና ኢና። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ ልዕሊ 8,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ ዚብሃል ቤት ትምህርቲ እቲ ተኻፊሎም እዮም።